Landesportal Schleswig-Holstein

Diese Webseite verwendet Cookies und das Webanalyse-Tool Matomo. Wenn Sie durch unsere Seiten surfen, erklären Sie sich hiermit einverstanden. Eine Widerspruchsmöglichkeit gibt es hier.

Flüchtlinge in Schleswig-Holstein

© Hans Kohrt

ብኸመይ ኣገባብን ኣበይን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ትኽእሉ?

ኣብ ጀርመን ጽቡቕ ናብራ ከትሕልፉ እንተደሊኹም ናይ ግድን ቋንቋ ጀርመን ክትመሃሩ ኣለኩም። ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን በዚ ብዝምልከት ዝተፈላለየ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዕድላት ኣሎ። በቶም ኣብ ትርፍ ጊዚኦም ይኹን ብምሉእ ጊዚኦም ቋንቋ ዝምህሩ ተኻፈልቲ ናይ ምዃን ዕድል ኣለኩም። እዚ ዓይነት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ብሓደ ሓደ ግብረሰናይ ውልቀ ሰባት ካብ ጎረቤት ብናጻ ዝገብርዎ ናይ ቋንቋ ምምሃር ሓገዝ ከኸውን ከሎ ከምኡ'ውን ቀዋሚ ዝኾነ መሰረታዊ ናይ ቋንቁ ትምህርቲ ኮርስ ዝወሃብ ካልእ እውን ዕላዊ ዝኾነ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ኮርስ ምስ ናይ መጻኢ ናይ ሞያ ትምህርቲ ዝተተሓሓዘ ትምህርቲ ኣሎ።

ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም ብዝብል ዝግበር ትምህርቲ

እቲ ብዞባ ደረጃ ኣብቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ስደተኛታት ዝዳሎ ናይ እንቋዕ ብደሓን መጻኹም ተባሂሉ ዝወሃብ ትምህርቲ ንፈለማ ከም ሓበሬታ ዝወሃብ መግለጺ ኮይኑ ተወሳኺ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እውን ኣለዎ። እዚ ቐረባት እዚ ንኹሎም ኣብቲ ቦታ ዝተመደቡ እሞ ናይ ትምህርቲ ምምሃር ግዴታ ዘይብሎም ሰባት ይምልከት። እቲ ብከምዚ ዓይነት ዝወሃብ ትምህርቲ ኣብቲ ናይ መጀመርያ መቐበሊ ስደተኛታት ዝወሃብ ኮይኑ እንተበዝሔ ንክልተ ሰሙን ዝኣክል ን30 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ዝወሃብ ኮርስ ኢዩ።

ናይ መጀመርያ መሔበሪ ክኸውን ተባሂሉ ዝወሃብ ኮርስ

ኣብ ሽለስቢግ-ሆልሽታይን ናይ መጀመርያ መሓበሪ ኮርስ ቐረባት ኣሎ። ኣብዚ ኮርስ („Starter-Paket für Flüchtlinge in Schleswig-Holstein- kurz: STAFF SH“) እዚ ብመሰረቱ ኣብቲ ዞባ ዝነብሩ ኩሎም ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ንኽመሃሩ መሰል ኣለዎም። ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ቋንቋ ትምህርቲ እቶም ተምሃሮ እቲ ንመዘራረቢ ዝሕግዝ መባእታዊ ዝኾነ ናይ ቋኑቋ ጀርመን ትምህርቲ ይመሃሩ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ኣብ ጀርመን ዘሎ ናይ ናብራ ዅነትትን ናይቲ ሕብረተሰብ ጠባይን ይመሃሩ፡ ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ናይ ሓበሬታን ናይ ኣገልግሎትን ቐረባት ንምፍላጥ ሓበሬታ ይወሃቦም። እዚ ንፈላማ መላለዪ ተባሂሉ ዝወሃብ ኮርስ በቶም ኣብ ኩሉ እቲ ዞባ ነጢፎም ናይ ቋንቋ ኮርስ ቐረባት ዘዳልዉ ትካላት ይዳሎ። ንኣብነት ኣብ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ብናይ ጠቕላሊ ማሕበራት ናይ ፎልክስ-ሆኽ-ሹለ ዝዳሎ ኮይኑ ኣብቲ ዝምልከቶ ቦታታት ዝርከቡ ማሕበራት ብምትሕብባር ይዳሎ። ከም ልሙዲ እዚ ከምዚ ዓይነት ኮርስ ብጠቕላላ 100 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ዘጠቓልል ክኸውን ከሎ እዚ ድማ ኣብ 10 ሰሙናት ተኸፋፊሉ ነነፍስ ወከፍ ሰሙን ድማ 10 ናይ ትምህርቲ ሰዓታት ይወሃብ ።

ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ዝወሃብ ስታፍ ኮርስ ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽብዎ ትኽእሉ፡

vhs Landesverband Schleswig-Holstein

Erstorientierungskurse des BAMF für Asylbewerber mit unklarer Bleibeperspektive

ናይ ምውህሃድ ኮርስ

ናይ ምውህሃድ ኮርስ (ኢንተግራስዮን ኮርስ) ክበሃል ከሎ ናይ ቋንቋን ካልእ ተወሳኺ ናይ መነባብሮ ሓበሬታ ትምህርቲ ዘጠቓለለ ኮርስ ክኸውን ከሎ እዚ ኮርስ እዚ ምስወዳእኻ ዝወሃበካ ባጀላ ድማ ብዓለም ለኽኣዊ ደረጃ ተቐባልነት ዘለዎ ባጀላ ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ መዓልታዊ ናብራ ዘጋጥሙ ኹነታት ከም ምንባር፣ ምስራሕ፣ ናይ ጥዕና ጉዳይ፣ ናይ መዘናጊዒታትን ከምኡ'ውን ብዛዕባ ናይ ጀርመን ባህልን ፖለቲካን ብዝምልከት ዝወሃቡ ሓፈሻዊ ትምህርቲ የጠቓልል።

ናይ ምውህሃድ ኮርስ (ኢንተግራስዮን ኮርስ) ኣብ ሽለስቪክ-ሆልሽታይን ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ተዳልዩ ኣሎ። ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዚ ዓይነት ኮርስ ናይ ምክፋል ዘለዎ መሰል ወይ ንኽካፈል ዝግደደሉ ኣገባብ ከከም ኩነታቱ ካበየናይ ሃገር ዝመጸ ምዃኑ ተፈሊጡ፣ እቲ ዘለዎ ናይ መንበሪ ፍቓድ ዓይነት ተራኢዩ ከምኡ’ውን እቲ ናቱ ናይ ቋንቋ ጀርመን ዘለዎ ዓቕሚ ስጋብ ክንደይ ምዃኑ ምርኩስ ብምግባር ኢዩ ዝውሰን። ሰፊሕ ሃበሬታ ብዛዕባ እቲ ዝተፈላለየ ዓይነት ኮርስን ትሕዝቶኡን፣ መን ክካፈል ከምዝኽእል ወይ መን ንኽካፈል ግዴታ ከምዘለዎ፣ ከምኡ’ውን መሰልን ግዴታን ናይቶም ተኻፈልቲ ዝኾኑን ብተወሳኺ’ውን እተን ከምዚ ዓይነት ናይ ኮርስ ቐረባት ዘዳልዋ ትካላት ንምፍላጥ ናይ ስደተኛታት ዝምልከቶ መንግስታዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ቡንደስ ኣምት (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge) ዘድሊ ሓበሬታ ይህብ።

BAMF Integrationskurssuche

ኣገዳሲ ሓበሬታ ናይ ምውህሃድ ኮርስ (ኢንተግራስዮን ኮርስ) ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ካብዚ ዝስዕብ መርበብ ናይ ቡንደስ ኣምት (Bundesamt für Migration und Flüchtlinge) ረኺብኩም ከተውርዱ ትኽእሉ፡

BAMF - Bundesamt für Migration und Flüchtlinge - Downloads und Publikationen

ምስ ሞያ ዝተኣሳሰር ናይ ቋንቋ ትምህርቲ

ብዛዕቢ እቲ ብሃገር ደረጃ ዝዳሎ ምስ ሞያ ዝተኣሳሰረ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ዘሎ ቐረባት ንምፍላጥ ይኹነ ኣብኡ ንምክፋል ክማላእ ዘለዎ ቅጥዕታት ንምፍላጥ ዘድሊ ሓበሬታ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽቡ ትኽእሉ:

Berufsbezogene Sprachförderung (Englisch)

ምጥፋእ መሃይምነት

ኣብ ጀርመን 2.5 ሚልዮን ሰባት ሓደ ሓደ ቓላት ክጽሕፉ ይኽእሉ እኳ እንተኾኑ ግን ምሉእ ዓረፈተ ነገር ክጽሕፉ ወይ ክንብቡ ኣይክእሉን ኢዮም። ናይ ሓምቡርግ ዩኒቨርሲቲ ብ2011 ዓ.ም. ብዝገበሮ መጽናዕቲ መሰረት ካብ ነፍስ ወከፍ 7 ብጹሓት መንእሰያት 1 ንጽል ዓረፍተ ነገር እኳ ከንብብ ወይ ክጽሕፍ ይኽኣል ድኣ እምበር እቲ ኣብ መንጎ እቲ ዓረፍተ ነገራት ዘሎ ዝምድናታት ግን ብቐሊሉ ክርድኦ ኣይክእልን ኢዩ። ኣብ ከምዚ ዅነታት ዘድሊ ሓገዝ በቲ ዝምልከቶ ናይ ፌደራላዊ ርእሰ ማሕበር ምጥፋእ ማሃይምነትን መባእታዊ ትምህርትን ቐረባት ኣዳልዩ ኣሎ። ኣብቲ ናይቲ ማሕበር መርበብ ድማ እቲ ሓበሬታ ክንበበልኩም ይኽእሉ ኢዩ። በቲ ናይ ኮርስ መድለዪ ጌርኩም ኣብቲ ዝቐረበ ቦታ ዝዳሎ ኮርስ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ቐረባት ድማ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Alphabetisierung - Informationen und Hilfe

በዚ ናይ ህጹጽ ቴሌፎን ኣገልግሎት 0800 - 53 33 44 55 ብናይ ፌደራላዊ ርእሰ ማሕበር ምጥፋእ ማሃይምነትን መባእታዊ ትምህርትን ብስውር ሽም ብዘይምጥቃስ ነቶም ናይ ምንባብን ምጽሓፍን ጸገም ዘለዎም ሰባትን ንቤተ ሰቦምን ሓበሬታ ይወሃብ ኢዩ።

ተወሳኺ ቐረባት

ናይ መምሃሪ ምንጪ ኣብ ኢንተርነት

ኣብቲ ኣብ ኢንተርነት ዘሎ ናይ ጀርመን ፎልክስሆኽሹለ ማሕበር መምሃሪ ምንጪ፣ ብደረጃ ናይ ምውህሃድ ኮርስ መልክዕ (A1 – B1) ዝኾነ ካብ ኢንተርነት ቋንቋ ጀርመን ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብተወሳኺ’ውን እዚ ናይ መምሃሪ ምንጪ ብርክት ዝበለ ናይ ጀርመን ፊደላት ንመምሃሪ ዘገልግል ጽሑፋትን ሓበሬታታትን ተዳልዩ ኣሎ።

እቲ ብናጻ ክትጥቀምሉ እትኽእሉ ናይ መምሃሪ ምንጪ ብዝተፈላለይ ቋንቋታት ተዳልዩ ኣሎ። ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ድማ ክትረኽብዎ ትኽእሉ።

Ich will Deutsch lernen

ብዛዕባ እቲ ደረጃ ናይ ቋንቋ ንምፍላጥ ዘድሊ ሓበሬታ ብናይ ሓባር ናይ ኣውሮጳ ኣገባብ ዝወጸ ሓበሬታ ብናይትኩም ቋንቋ ተጻሒፉ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ:

Gemeinsamer Europäischer Referenzrahmen

ተወሳኺ ቐረባት

ኣብዚ ዝስዕብ ካብቶም ብነጻ ዝወሃቡ ቐረባት ኣኪብና ቀሪብናልኩም ኣሎና። እንተኾነ ግን እዚ ኣብ መርበብና ተዳልዮም ዘለዉ ነቲ ብሞያውያን ወይ ብስነ-ምምህርና ዝወሃብ ገምጋም ዝትክእ ኣይኮነን።

ቋንቋ ጀርመን ብናጻ ክትመሃረሉ ዘኽእል ናይ ኮምፒተር ፕሮግራም (ኣፕስ Apps)

እዚ ፕሮግራማት እዚ ናይ ጀርመን ቋንቋ ንኽትመሃሩ ክሕግዘኩም ይኽእል ኢዩ። እንተኾነ ግን ቋንቋ ጀርመን ንምምሃር ነዚ ናይ ኣፕስ ፕሮግራም ሓገዝ ጥራሕ ተኣማሚንኩም ክትመሃሩ የብልኩምን። እዚ ነቲ መደበኛ ናይ ቋንቋ ትምህርቲን ነቲ መዓልታዊ ብኣካል ዝግበር ናይ ቋንቋ ልምምድ ክትከኦ ኣይክእልን ኢዩ።

ብዛዕባ እቲ ኣንኮመን-ኣፕ (Ankommen-App) ዝበሃለ

እዚ ፕሮግራም ብጣዕሚ ጽቡቕ ዝኾነ ኣፕ (App) ኮይኑ ብዛዕባ ናይቲ መጀመርያ እትገብርዎ ስጉምቲ ሓበሬታ፣ ብዛዕባ ባህሊን ህዝቢ ጀርመንን ዝምልከት ከምኡ’ውን ብዛዕባ ናይ ዑቕባ ምሕታት ኣገባብ ዝገልጽ፣ ብተወሳኺ’ውን ብዛዕባ ስራሕን ትምህርትን ብዝምልከት ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብተወሳኺ’ውን እቲ መባእታዊ ዝኾነ ናይ ቛንቋ ጀርመን ትምህርቲ ማለት እቲ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ መጀመርያ ቃላትን ዓረፍተ ነገርን ክትማሃሩ ትኽእሉ ኢኹም።

Ankommen - Ein Wegbegleiter für Ihre ersten Wochen in Deutschland

„ኣነ ቋንቋ ጀርመን ክመሃር እደሊ“

ኣብዚ ናይ ኢንተርነት መርበብ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ካብ A1 – B1 ዘሎ ደረጃ ከምኡ’ውን ደረጃ A1 ኮይኑ ተወሳኺ ብርክት ዝበለ ፊደላት ናይ ጀርመን ከም ካልኣይ ቋንቋ ንምምሃር ዝሕግዝ ዝተፈላለየ ጽሑፋትን ሓበሬታን ተዳልዩ ኣሎ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ ስራሕን ኣብ ናይ ሞያ ስራሕ ዘድሊ ፍልጠት ናይ ቋንቋ ጀርመን ንኸተማሓይሽ ዝሕግዝ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ኣብዚ ናይ ኢንተርነት መርበብ እዚ ነቶም ብናቶም ተበግሶ ባዕሎም ነብሶም ኪኢሎም ኽመሃሩ ንዝደልዩን ከምኡ’ውን ነቶም ናይ ምውህሃድን ካልእ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ኮርስ ዝወስዱ ክሕግዝ ዝኽእል ብዙሕ ጽሑፋትን ሓበሬታታን ክትረኽቡ ትኽእሉ።

Ich will Deutsch lernen

„ናይ ቃላት ከተማ“

ብጸወታ መልክዕ ጌርካ ቋንቋ ጀርመን ምምሃር።

Stadt der Wörter

ማህደረ-ቃላት መምሃሪ

ነቶም ቅድሚ ሕጂ ዘይተምሃሩ ሓደሽቲ ተምሃሮ መምሃሪ ቃላት ዝኸውን ኣፕ (Vokabeltrainer-App)።

Vokabeltrainer

25 ቪድዮታት ምስ 100 ኣገደስቲ ዓረፍተ ነገራት

እዚ „Learn German for Refugees“ ዝተባህለ ኣፕ ካብ መርበብ papagei.com 25 ነንሕድሕዱ ርክባት ዘለዎ ቪድዮታት (interaktive Videos) ምስ 100 ኣገደስቲ ዓረፍተ ነገራትን ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሰሙን ነቲ ናትኩም ናይ ቃላት ፍልጠት ከማዕብሎን ናትኩም ናይ ኣዳማምጻ ክእለት ድማ ከማሓይሾ ይኽእል ኢዩ። እቲ ኣፕ ናይ papagei.com ንናይ iOS ከምኡ’ውን Android ፕሮግራም ዝሰማማዕ ከተውርዱ (ዳውንሎድ) ክተገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ቋንቋ ዓረብ ዝኽእሉ ሰባት ኣብዚ ንምጥፋእ ማሃይምነት ዝሕግዙ ቐረባት ኣብ ዩትዩብ (Youtube) ክትረኽቡ ትኽእሉ።

ተወሳኺ ቪድዮታት ኣብዚ ዝስዕብ ክትረኽቡ ትኽእሉ:

Alphabetisierungskurs auf Youtube