Landesportal Schleswig-Holstein

Diese Webseite verwendet Cookies und das Webanalyse-Tool Matomo. Wenn Sie durch unsere Seiten surfen, erklären Sie sich hiermit einverstanden. Eine Widerspruchsmöglichkeit gibt es hier.

Flüchtlinge in Schleswig-Holstein

© Hans Kohrt

ስራሕ፡ - ናይ ምኽርን ደገፍን ቀረባት

ኣብዚ ብዛዕባ ጉዳይ ስራሕ ጽሟቑ ሓበሬታ ትረኽቡ።

ምኽሪ

ኣብ ስራሕ ወይ ስልጠና ክካፈሉ ንዝደልዩ ስደተኛታት ኣብ ሽለስቪግ ሆልሽታይን ኣብ ርእሲ'ቲ ዞባዊ ናይ ስደተኛታት ምኽርታት Migrationsberatungen ሓያሎ ምኽርን ደገፍን ዝቕርቡሎም፡ ሕቶኦም ዝሰምዑ ኣካላት ኣለዉዎም።

ናይ ስራሕ ፌደራላዊ ወኪል (Bundesagentur für Arbeit)

ናይ ስራሕ ፌደራላዊ ወኪል (Bundesagentur für Arbeit) ንደለይቲ ስራሕን ስልጠናን ብዛዕባ ኣብ ጀርመን መን ክሰርሕ ከም ዝፍቀዶ የረድእ። ስራሕ ብዛዕባ ዕዉት ምጅማር ስራሕ ዘፍልጥ ብዝተፈላለየ ቋንቋት ዝተዳለወ ሓበሬታት ከኣ ይቕርብ።

ኣብዚ ናይ ዑቕባን ምውህሃድን ፕሮጀክት ዝሓዘ ተመላላሲ ካርድ (interaktive Karte ) ከምኡውን ሓበሬታታት ብዛዕባ ምእታው ስራሕ ናይ ተፈላጥነት ዝረኸቡ ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዑቕባን ናይ መቐመጢ ወረቐት ዱልዱንግ (ምጽማም) ዘለዎምን ትረኽቡ።

Federal Employment Agency

ናይ ስራሕ ፌደራላዊ ወኪል/ ዞባዊ ምምሕዳር ሰሜን ኣብ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት መላቐቢ ጠቓሚ ሓበሬታታ፡ ናይ ሓበሬታ ጥራዛት፡ ወረቓቕትን መመላኸቲታትን ብ 14 ቋንቋታት ቀሪቡ ኣሎ።

Mehrsprachige Informationen im Überblick

ኣብዚ ንመን ሓጹራት ኣብ መሰል ናይ ናይ ስራሕ ፍቓድ ከም ዝግበረሉን፡ ንመን ዕዳጋ ስራሕ ብዘይ ገደብ ክፉት ከም ዝኾነሉን ከተንብቡ ትኽእሉ።

Zulassung zum deutschen Arbeitsmarkt

ወኪላት ስራሕ / ጆብ ሰንተር (Agenturen für Arbeit / Jobcenter)

ወኪላት ስራሕን ጆብ ሰንተርን ስራሕ ንዝደልዩ ስደተኛታት የማኽሩ። ሓበሬታ ብዛዕባ ወኪላት ስራሕን ጆብ ሰንተርን ኣብዚ ትረኽቡ።

Federal Employment Agency

Jobbörse

Fresh start for asylum seekers in Germany

ተወሰኽቲ ቀረባት ምኽሪ

alle öffnen

መርበብ ኣይ ክዩ ሽለስቪግ ሆልሽታይን (IQ Netzwerk Schleswig-Holstein)

መርበብ ኣይ ክዩ ( IQ Netzwerk ) ብዛዕባ ኣብ ወጻኢ ዝተወድአ ትምህርትን ብምቕጻል ምምሕያሽ ትምህርትን ምኽሪ ይህብ።

IQ Netzwerk - Wegweiser Beratungsstellen

ዝያዳ ክፉት ዕድላት! Mehr Land in Sicht!

መርበብ "ሜር ላንድ ኢን ዚሽት፡ ስራሕ ንስደተኛታት ኣብ ሽለስቪግ ሆልሽታይን" ( "Mehr Land in Sicht – Arbeit für Flüchtlinge in Schleswig-Holstein" ) ንሓተትቲ ዑቕባ፡ ናይ ምጽማም መቐመጢ ( aufenthaltsrechtlich geduldete Flüchtlinge ) ንዝሓዙ፡ ትሕት ዝበለ ቅርበት ናብ ዕዳጋ ስራሕ ንዘለዎም፡ ከምኡውን ግዝያዊ ናይ መቐመጢ ፍቓድ ዘለዎም ስደተኛታት ቀረባቱ ይህብ። ብፍላይ ኣዝዩ ጽጉም ዝኾነ ቅርበት ናይ ዕዳጋ ስራሕ ንዘለዎም ኣብ ምውህሃድ ስራሕ፡ ምያዊ ስልጠና፡ ወይከኣ ትምህርታዊ ስልጠና ይድግፍ።

እዚ መርበብዚ ንቀረባት ናይ ወኪላት ስራሕን (Agenturen für Arbeit ) ጆብ ሰንተርን ( Jobcenter ) ብተወሳኺ ኸኣ ብዛዕባ ብ ናይ ESF-BAMF-Kurse ኣቢሉ ዝወሃብ ምስ ስራሕ ዝተዛመደ ናይ ቋንቋ ትምህርቲ ሓበሬታ ይህብ።

ዝያዳ ክፉት ዕድላት!

Alle an Bord - Netzwerk zur arbeitsmarktlichen Integration von Geflüchteten in Schleswig-Holstein

ጓል ኣንስተይትን ሞያን

ኣባላት ሰራሕተኛታት ናይ ጓል ኣንስተይትን ሞያን (FRAU & BERUF) ብዛዕባ ምጅማር ስራሕን ፡ ኣብ ማእቶት ዝርከቦ ስራሕ ምውፋርን ምኽሪ ይህባ። ዋላውን ንኻብ ካልእ ሃገር ግዒዘን ዝመጽኣን ስደተኛታትን ናብ ናይ ስራሕ ዕዳጋ ንኽኣትዋ ይሕግዛ። እቲ ምምኻር ከኣ ዋጋ ዘይክፈሎ እዩ፡ ብቋንቋ ጀርመን ከኣ ይወሃብ። ናይ ምኽሪ ምዝርራብ ንምክያድ፡ ምኽሪ ዝወሃባ ኣንስቲ ሰብ እኹል ፍልጠት ቛንቋ ጀርመን ክኾና ይግባእ። ብቕድሚኡ ከኣ ንፍልሰት ዝምልከት ዝተዋህበን ምኽሪ ክህልው ኣለዎ። ምኽሪ ዝወሃበሉ ቤት ጽሕፈታትን ብብዙሕ ቋንቋታት ዝተዳለወ በራሪ ጽሑፍን ኣብዚ ትረኽቡ፡

Beratungsangebote von FRAU & BERUF

ኣብ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ንስደተኛታት ናይ ሓበሬታ ምሃብ ሓገዝ ዝገብር ቤት ጽሕፈት

ኣብ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ንስደተኛታት ናይ ሓበሬታ ምሃብ ሓገዝ ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung (MBSH)) ተዳልዩ ኣሎ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ብናይ መንበሪ ፍቓድ ብዝምልከት ጉዳይ ሕቶ ምስዝህልወኩም ወይ ካልእ ዝኾነ ዓይነት ኣብ ናይ ምውህሃድ ዝምልከት ሓፈሻዊ ሕቶ ሃሊኩም ነዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ክትውከሱ ትኽእሉ። እዚ ቤት ጽሕፈት እዚ ንኹሎም ስደተኛታት እቲ ናቶም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዓይነት ብዘየገድስ ንሕግዞም ድሉው ኢዩ።
እቲ ንዓኹም ዝምልከት መዛርብቲ ናይዚ ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung) ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽብዎ ትክእሉ:

Beratungsdienste

ብጀካ እዚ ብዞባ ደረጃ ንስደተኛታት ረድኤት ዝህብ ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung des Landes) ብሃገር ደረጃ ነቶም ናይ ዑቕባ ተቐባልነት ዝረኸቡ ስደተኛታት እውን እንተኾነ ተመሳሳሊ ረድኤት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ኣለዋ።
እዚ ንዓበይቲ ስደተኛታት ረድኤት ዝህብ ቤት ጽሕፈት Migrationsberatung für erwachsene Zuwanderer (MBE) ነቲ ዝምልከቶ ውልቀ ሰብ ኣብ ጀርመን ኣብቲ መዓልታዊ ናብርኡ ዘጋጥሞ ሕቶታት ምስዝህልው ማለት ንኣብነት እንተድኣ ናይ ጀርመን ቋንቋ ትምህርቲ መምሃሪ ዝኽፈል ዋጋ ክፈልጥ ደልዩ፣ ወይ እቲ ናይ ቅድም ዝተምሃሮ ትምህርቲ ዝገልጽ ባጀላ ኣብዚ ተቐባልነቱ ስጋብ ክንደይ ከምዝኾነ ንምፍላጥ ምስዝደሊ፣ ወይ መንበሪ ገዛ ምስዝደሊ፣ ወይ ብናይ ጥዕና፣ ናይ ስድራ-ቤት ወይ ናይ ኣተዓባብያ ቆልዓ ጉዳይ ብዝምልከት ሕቶ ምስዝህልዎ፡ ነዚ ቤት ጽሕፈት (Migrationsberatung für erwachsene Zuwanderer (MBE)) ክውከስ ይኽእል። በዚ ጉዳይ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

Beratung für Erwachsene

ንመንእሰያት ረዲኤት ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Die Jugendmigrationsdienste (JMD)) ዕድሚኦም ስጋብ 27 ዓመት ዝኾኑ መንእሰያት እሞ ናብ ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ዘለዎ ዕድመ ብምሕላፉ ናብ ትምህርቲ ምኻድ ግዴታ ዘይብሎም ምስዝኾኑ ረድኤት ክገብረሎም ይኽእል ኢዩ። በዛዕባ እቲ ንመንእሰያት ረዲኤት ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Die Jugendmigrationsdienste (JMD)) ተወሳኺ ሓበሬታ እንተድሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

Beratung für junge Menschen

ናይቲ ንመንእሰያት ረዲኤት ዝገብር ቤት ጽሕፈት (Die Jugendmigrationsdienste (JMD)) ኣድራሽ ክተፈልጡ እንተደሊኹም ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ክትረኽብዎ ትኽእሉ:

Jugendmigrationsdienst

ኣብዚ ናይ ኩለን እተን ኣብ ሽለስቪግሆልሽታይን አብ ናይ ሓበሬታ ረድኤት ምሃብ ተዋፊረን ዝሰርሓ ቤት ጽሕፈታት ሓፈሻዊ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትኽእሉ። ኣብቲ ንኡስ ዞባታት (Kreisen) ወይ ንኡስ ዞባ ዘይብለን ከተማታት ዝርከባ ናይ ሓበሬታ ረድኤት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ክትረኽቡ ትኽእሉ። ብተወሳኺ'ውን ብዞባ ደረጃ ንመላእ ሽለስቪግሆልሽታይን ዘገልግል ድርጅት (ውድብ) ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ኣብ መላእ ሃገር ዘለዋ ዝተፈላለየ ረድኤት ዝህባ ቤት ጽሕፈታት ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ከተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም:

Schnellsuche

ስራሕ

ናይ ስራሕ ልምምድ

ዝምልከቶም ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት እንተ ደኣ ኣፍቂዱሎም፡ ስደተኛታት ናይ ስራሕ ልምምድ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም። ብመሰረት ዓንቀጽ 22 ንኡስ ዓንቀጽ 1 ዝተሓገገ ናይ ዝተሓተ ሕጊ ደሞዝ (§ 22 ABS. 1 Mindestlohngesetz) ብመሰረቱ ንተሳተፍቲ ናይ ልምምድ ስራሕ እውን ይምልከቶም ኢዩ። ንዝስቡ ናይ ልምምድ ስርሓት ናይ ዝተሓተ ሕጊ ኣይምልከቶምን።

  1. ብምክንያት ውሳነ ሕጊ ትምህርቲ፡ ሕጊ ስልጠና፡ ሕጊ ልዑል ትምህርቲ ወይ ከኣ ስልጠና ኣብ ብሕጊ ዝተሰርዐ ናይ ሞያ ኣካደሚ (Berufsakademie) ዝፍጸም ግዴታዊ ናይ ስራሕ ልምምድ፡ ,
  2. ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ቅድሚ ምጅማር ሞያዊ ስልጠና ወይ ከኣ ልዑል ትምህርቲ ኣንፈት ንምንጻር ዝካየድ ልምምድ ስራሕ።
  3. ንሞያዊ ትምህርቲ ወይ ከኣ ልዑል ትምህርቲ ዘሰንይ ክሳዕ ሰለስተ ወርሒ ዝጸንሕ ልምምድ ስራሕ፡ ከምኡውን
  4. ብመሰረት ዓን ቀጽ 54a ካልኣይ መጽሓፍ ማሕበረሰባዊ ሕጊ ( § 54a SGB II) ፈላሚ ፍልጠት (Einstiegsqualifizierungen) ንምርካብ ወይ ከኣ ብመሰረት 68 ክሳዕ 70 ካብ ሕጊ ሞያዊ ስልጠና (§§ 68 bis 70) ንሞያዊ ስልጠና ንምድላው ።

ስደተኛታት ብኸመይን መዓስን ይሰርሑ?

Federal Office for Migration and Refugees (BAMF)

info Focus on people - support and integrate

ሓበሬታ ካብ ፌደራላዊ ቤት ጽሕፈት ፍልሰትን ስደተኛታትን ወይ ከኣ ኣብዚ ትረኽቡ።

ስደተኛታት ብኸመይን መዓስን ይሰርሑ?

ምስምማዕ ናይ ፈደራላዊ ውኪል ( Bundesagentur für Arbeit ) ስራሕ ዘየድልዮ ፍሉያት ኩነታት

ንሞያዊ ስልጠና፡ ልምምድ ስራሕ ንምውሳኽ ፍልጠት፡ ንናይ ተወፋይነት ኣገልግሎት ምፍጻም፡ ልዑል ደርጃ ዘለዎ ስራሕ ንምስራሕን ፍቓድ ናይ ናይ ፈደራላዊ ወኪል ስራሕ ኣይድልዮን። እቲ ስራሕ ፍቓድ ዘድልዮን ዘየድልዮን ምዃኑ ቤት ጽሕፈት ወጻእተኛታት ብደቂቕ የጻርይ። ኣውፍአንትሃልትገሽታቱንግ (Aufenthaltsgestattung) ንዝሓዙ ሰባት ኣብተን ርኣተዉለን ቀዳሞት ሰለስተ ወርሖም ከይሰርሑ ክልኩላት እዮም።

ተወሳኺ ቀረባት ደገፍ

alle öffnen

ምስ ሞያ ዝተዛመደ ትምህርታዊ ደገፍ

ንቀረባትን ናይ ምስታፍ ቅድመ ኩነታትን ምስ ሞያ ናይ ዝተዛመደ ትምህርተ-ቋንቋዊ ደገፍ ዝምልከት ፈደራላዊ ሓበሬታ ኣብዚ ትረኽቡ።

Deutsch für den Beruf: Informationen des Bundesamtes für Migration und Flüchtlinge

ፌደራላዊ ናይ ናጻ ድልየት ኣገልግሎት

ፈደራላዊ መንግስቲ፡ ኣብ ፌደራላዊ ናይ ናጻ ድልየት ኣገልግሎት ን 10 000 ቦታታ ስራሕ ብተወሳኺ ብገንዘብ ይድግፍ።

Bundesfreiwilligendienst

link Sonderprogramm

ሕጋውን ቀጻልን ናይ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎም ቅቡላት ዑቕበኛታትን፡ ብመሰረት መምርሒ 2011/95/EU ዓለምለኻዊ ጸግዒ ዝረኸቡ ሰባትን፡ ዑቕባ ንኽረኽቡ ዘመልከቱን ተጠቀምቲ ናይ ዝተጠቕሰ ቦታት ስራሕ ናይ ምዃን መሰል ኣለዎም።

ስደተኛታት ተኻፈልቲ ኣብ ዝኾኑሉ፡ ከም ኣድላይነቱ ኣርባዕት ሰሙናት ቅድሚ ምጅማር ኣገልግሎት፡ ጽዑቕ ናይ ቋምቛ ትምህርቲ፡ ደሓርውን ነቲ ስራሕ ዘሰንይ ስጉምቲታት ምምሃርን ምምሕያሽን ቋንቋ ጀርመን ክካየድ ይከኣል።

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ፌደራላዊ ናይ ናጻ ድልየት ኣገልግሎት ኣብ መርበብ ኢንተርነት ናይ ናጻ ድልየት ኣገልግሎት (Ehrenamtsportal) ናይ'ዛ ሃገር ኣቢልኩም ትረኽቡ።

Engagiert in Schleswig-Holstein - Bundesfreiwilligendienst

ናይ ስደተኛታት ምውህሃድ ስጉምቲታት (FIM – Flüchtlingsintegrationsmaßnahmen)

ብናይ ስደተኛታት ምውህሃድ ስጉምቲታት (FIM) ኣቢሉ ፌደራልዊ መንግስቲ ንስደተኛታት ኣብ እዋን መስርሕ ሕቶ ዑቕባ ኣብ ኮማትን፡ መንግስታውን ግብረሰናያውን ትካላትን፡ ዕድላት ስራሕ ይፈጥረሎም። በዚ ኣቢሎም ከኣ ስደትአኛታት ምስ ናይ ጀርመን ዕዳጋ ስራሕ ክላለዩን፡ ኣብ እዋን መስርሕ ዑቕብኦም ግብረ ሰናያዊ ስራሕ ከበርክቱን ይኽእሉ።

ናይ ስደተኛታት ምውህሃድ ስጉምቲታት

ናይ ወፍሪ ባንክ ሽለስቪግ -ሆልሽታይን (Investitionsbank Schleswig-Holstein)

ናይ ወፍሪ ባንክ ሽለስቪግ -ሆልሽታይን ንኣብነት ሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ዋኒን ክተክል እንተ መደበ ብዛዕባ ክርከብ ዝከኣል ደገፋት ሓበሬታታት ይህብ።

Förderberatung IB.SH

ናይ ሃገር መደብ ስራሕ (Landesprogramm Arbeit)


ናይ ሃገራዊ መንግስቲ መደብ ስራሕ ዝስዕቡ ዕላማታት ኣለዉዎ።

  • ንዘለዉ ሞያውያን ክዕቅብን፡ ኣብ ርእሲኦም ሓደስቲ ክውስኽን።
  • ነቶም ብፍላይ ናይ መጀምርያ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ምርካብ ዝጽገሙ ሰባት ኣብ ምውህሃድ ክድግፍ።
  • ንመንእሰያት ክድግፍ።

ናይ ሃገራዊ መንግስቲ መደብ ስራሕ ቀረባት ንስደተኛታት እውን ክፉት እዩ።

ተወሳኺ ኣብዚ ኣንብብ

ናይ ሽለስቪግ- ሆልሽታይን ወሰኻት ደገፍ

ሰራሕተኛ፡ ርእሱ ዝኸኣለ፡ ወይ ዋና ንእሽቶ ትካል ዝኾነ ናይ ምምሕያሽ ትምህርቲ እንተ ደኣ ክወስድ ደልዩ ብናይ ሽለስቪግ - ሆልሽታይን ናይ ምምሕያሽ ፍልጠት ናጻ ደገፍ ተጠቒሙ ናይ መምሃሪኡ ወጻኢታት ካብ ናይ ኤውሮጳ ማሕበረሰባዊ ቅሙጥ ገንዘብ ክሳብ 50 ካብ ሚእቲ ሓገዝ ብምርካብ ክሽፍን ይኽእል።

ስደተኛታት እውን ነዚ ናይ ፍልጠት ምምሕያሽ ደገፍ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ። ኣብ ስራሕ ዝርከብ ስደተኛ ንናይ ዘለዎ ዕለታዊ ስርሑ ጽቡቕ ፍልጠት ቋንቋ ጀርመን ዘድልዮ እንተ ኾነ፡ ናይ ቋንቋ ጀርመን ትምህርቲ ክወስድ ይኽእል።

Weiterbildungsbonus für Geflüchtete (PDF 376KB, Datei ist nicht barrierefrei)

IB.SH: Landesprogramm Arbeit

ሞያዊ ስልጠና

ንስደተኛታት ኣየኖት መተኣትዎታትን ቅድመ ኩነታትን ንስልጠናን ስራሕን ምህላዎም ብቐንዱ ኣብ ዓይነት ዝተዋህቦም ናይ መንበሪ ፍቓድ ዝተመርኮሰ እዩ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይ ምኽርን ሞያዊ ኣንፈት ምርካብን ዘኽእሉ ቀረባት ይርከቡ።