Landesportal Schleswig-Holstein

Diese Webseite verwendet Cookies und das Webanalyse-Tool Matomo. Wenn Sie durch unsere Seiten surfen, erklären Sie sich hiermit einverstanden. Eine Widerspruchsmöglichkeit gibt es hier.

Flüchtlinge in Schleswig-Holstein

© Hans Kohrt

ዝምልከቶ መዛርብቲ ናይ ፍልሰት (ኢሚግረሽን)

ብብዓመቱ ብዙሓት ሰባት ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ናብ ፌደራል ሬፑብሊክ ጀርመን ይመጹ።

ላንድራትስኣምት - ናይ ወጻእተኛታት ጉዳይ ዝምልከቶ

ካብዞም ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት 3,3 % ናብ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ይመጹ እሞ ላንድራትስኣምት ድማ ግዚያዊ መንበሪ ቦታ፣ ቀለብን ከምኡ‘ውን ኣብ ዝተፈላለየ ናይ መነባብሮ መዳያት ሓገዝ ተበርክተሎም።

ላንድራትስኣምት - ናይ ወጻእተኛታት ጉዳይ ዝምልከቶ

ፍልሰት ብዝምልከት ዝግበር ናይ ሓበሬታ ኣገልግሎት

Zwei asiatische Frauen sitzen im Beratungsgespräch. Beratungsgespräch (Vergrößerung öffnet sich im neuen Fenster) © Landesregierung

ናብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ዝመጹ ስደተኛታት ብዙሕ ዝኾነ ናይ ዝተፈላለየ ስርዓተ- መርበብ ናይ ሓበሬታ ዝህቡ ትካላት ክውከሱ ይኽእሉ ኢዮም። እዞም ሰራሕተኛ ናይዘን ትካላት ነቶም ስደተኛታት ኣብቲ ናይ ፍልስትና መስርሕ ሓበሬታ ብምሃብ ኣብቲ ዅነታት ናይ መዓልታዊ ናብርኦም ነብሶም ኪኢሎም ንኽዋስኡ ይሕግዝዎም።

ኣብ ዞባ ናይ ሽለስቪክሆልሽታይን እቲ ንስደተኛታት ናይ ሓበሬታ ምሃብ ሓገዝ ዝገብር ቤት ጽሕፈት

ብውልቀ ዝወሃብ ናይ ሓበሬታ ረድኤት

ናይ መንበሪ ፍቓድ ጉዳይ ዝግበር ውሳኔታት በቲ ኣብ ሽለስቪክ ሆልሽታይን ዝርከብ ናይቲ ዞባ ዝምልከቶ ናይ ኤሜግረሽን ቤት ጽሕፈት (Ausländerbehörde) ጥራሕ ኢዩ ዝውሰን።

Einzelfallberatung in den Ausländerbehörden

ንዘጋጥም ከቢድ ዅነት ዝቖመ ኮሚሽን

እንተድኣ ነቲ ንዘጋጥም ከቢድ ዅነት ተባሂሉ ዝቖመ ኮሚሽን ንነፍስ ወከፍ ጉዳይ መርሚሩ፡ ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶ ውልቀሰብ ንኽወጽእ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ዝነበረ ብሰብኣዊ መሰል ርህራሄ ብምግባር ይኹን ብውልቃዊ ምኽንያት ቀጻሊ ኣብዚ ናይ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦ ኣለዎ ብዝል ርእይቶ እንድሕር ኣለዎም ኮይኑ ነቲ ጉዳይ ናብቲ ዝምልክቶ ናይቲ ዞባ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ከቕርቦ ይኽእል።

Härtefallkommission

ዜግነት ምውሳድ

ኣብ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን ብቐጻሊ ዝነብር ውልቀ ሰብ እንድሕርኮይኑ ግን ገና ናይ ጀርመን ዜግነት ዘይብሉ ኮይኑ ዜግነት ከውጽእ ይኽእል ኢዩ። ናይ ጀርመን ዜግነት ዝተዋህቦ ውልቀ ሰብ ድሕሪኡ ማዕረ መሰል ዘለዎ ናይ ሃገርና ዜጋ ብምዃን ኩሉ መሰላትን ግዴታታትን ይህልዎ።

Einbürgerung

Teilen: