Landesportal Schleswig-Holstein

Diese Webseite verwendet Cookies und das Webanalyse-Tool Matomo. Wenn Sie durch unsere Seiten surfen, erklären Sie sich hiermit einverstanden. Eine Widerspruchsmöglichkeit gibt es hier.

Flüchtlinge in Schleswig-Holstein

© Hans Kohrt

ላንድራትስኣምት - ናይ ወጻእተኛታት ጉዳይ ዝምልከቶ

እቲ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት (Das Landesamt) ነዞም ዝስዕቡ ጉዳያት ሓላፍነት ዝወስድ ቤት ጽሕፈት ኢዩ፦ ንናይ ዑቕባ ዝሓቱ፣ ብውግእ ምኽንያት ዝተሰደዱ፣ ካልኦት ድሒሮም ናብዚ ዝምለሱ ዜጋታት፣ ናብዚ ዝገ‘ዓዙ ኣይሁዳውያንን ከምኡ‘ውን ብመሰረት ሰብኣዊ ርህራሄ ኣብ ምሉእ ሃገር ብዝተገብረ ንጥፈታት ተቐባልነት ዝተገብረሎም ዜጋታት ናይ ምንባይ ዅነታት የጠቓልል።

ዞባ ሽለስቪግ-ሆልሽታይን 3,3 % ካብዞም ናብ ጀርመን ዝመጹ ሰባት ተቐቢላ እቲ ዝምልከቶ ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ሓላፍነት ወሲዱ ንግዚኡ ዝኸውንናይ መንበሪ ቦታ፣ ቀለብን ካልእ ኣብ መዓልታዊ መነባሮ ዘድሊ ሓገዛትን የበርክት።

ከምኡ‘ውን እቲ ቤት ጽሕፈት ናይ ላንድራትስኣምት ናብ ዓዶም ክምለሱ ዘለዎም ናይ ምምላስን ወይ ምስጓግን ሓላፍነት ብምውሳድ ነቶም ኣብ ዞባ ሽለስቪግ-ሆልስታይን ዘለዋ ናይ ኤሚግረሽን ቤት ጽሕፈታት (Ausländerbehörden) ሓገዛት ብምግባር ኣብ ግብሪ የውዕል። እዚ መስርሕ እዚ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ምኽንያት ድማ እቶም ወጻእተኛታት ናይ ግድን ካብ ጀርመን ክወጹ ዘለዎም ምስዝኾኑን እሞ ንሳቶም ብድሌት ካብ ጀርመን ክወጹ ምስዘይደልዩን ኢዩ።

! ኣገዳሲ ሓበሬታ !

ብናይ ዑቕባ ምሕታት ዝምልከት ዝኾነ ዓይነት ሕቶ ምስዝህልወኩም ብኽብረትኩም ነቲ ዝምልከቶ ናይ ቡንደስ ኣምት ቤት ጽሕፈት ተወከሱ። ዞባዊ ቤት ጽሕፈት ናይ ላንደስኣምት በዚ ጉዳይ ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ክህበኩም ኣይክእልን ኢዩ:

Kontakt: Bundesamt für für Migration und Flüchtlinge (BAMF)

Kontakt

Bundesamt für Migration und Flüchtlinge

Außenstelle M A 11 - Neumünster
Haart 148
24539 Neumünster
Telefon: 04321 5561-0
Fax: 04321 5561-199

Kontakt

Landesamt für Ausländerangelegenheiten

Haart 148
24539 Neumünster
Telefon: + 49 4321 974-0
Fax: + 49 4321 974-111

ብድልየትካ ምምላስ