Landesportal Schleswig-Holstein

Diese Webseite verwendet Cookies und das Webanalyse-Tool Piwik. Wenn Sie durch unsere Seiten surfen, erklären Sie sich hiermit einverstanden. Eine Widerspruchsmöglichkeit gibt es hier.

Flüchtlinge in Schleswig-Holstein

© Hans Kohrt

ናይ ትምህርቲ ምውዳእ ምስክራት ብተቐባልነት ምፍላጥ

ቤት ትምህርቲ

ዝተምሃርክሞ ትምህርቲ ተቐባልነቱ ናይ ምርግጋጽ ዝምልከቶ ኣካል ሚኒስትሪ ትምህርትን ሞያን ኢዩ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ብቋንቋ ጀርመን ዝተጻሕፈ ሓበሬታን ኣገዳሲ ኣድራሻን ንምርካብ ኣብዚ ዝስዕብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ተወከሱ:

Anerkennung ausländischer Schulabschlüsse und schulischer Berufsqualifikationen

ውልቃዊ መጠይቕ „ተቐባልነት ናይ ትምህርቲ መረጋገጺ ሰነዳት“ ንኽምላእ ዝተዳለወ ፎርም:

Anerkennung und Bewertung ausländischer Bildungsnachweise (PDF 31KB, Datei ist nicht barrierefrei)

ስልጠና / ሞያ

ናይ ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝተዛዘመ ሞያዊ ስልጠና ብተቐባልነት ምፍላጥ ብዝምልከት ብመሰረቱ ንኹሉ ኣብ ጀርመን ብደረጃ ሃገር ዝፍለጥ ናይ ስልጠና ሞያታት ምልክታ ክግበር ይከኣል። ንዝተዛዘመ ሞያ ብኸመይ ኣገባብ ተፈላጥነት ከም ዝርከቦ ዘርእይ መሐበሪ ካብ ፈደራላዊ ወኪል ስራሕ ( Bundesagentur für Arbeit ) ክርከብ ይከኣል።

Wie lässt man einen Abschluss anerkennen? Informationen der Bundesagentur für Arbeit

ብድምር 340 ብፈደራላዊ ሕጊ ዝተሰርዓ ናይ ስልጠና ሞያታት ኣለዋ። ኣብ ርእሲአን ኸኣ ብሕጊ ሃገረ ምምሕዳራት ( landesrechtlich) ዝተሰርዓ ሞያታት ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርትን ሞያዊ ስልጠናን ናይ ሽለስቪግ ሆልስሽትይን ( Schleswig-Holstein im Ministerium für Schule und Berufsbildung ) ዝምዘና ልዕሊ 30 ሞያታት ይውሰኽአን።

Anerkennung Berufsabschluss in Schleswig-Holstein

ናይ IQ-Netzwerk ኣብያተ ምኽሪ

ናይ ኣይ ክዩ መራኸቢ መርበብ (IQ-Netzwerk) ኣብ ምሉእ ሃገረ ምምሕዳር ናይ ወጻኢ ትምህርታዊ ምዝዛማት መርሚሩ ዝመዝነለን ኣብያተ ምኽርታት ኣለውኦ።

IQ Netzwerk - Wegweiser Beratungsstellen

በዚ በራሪ ወረቕት'ዚ ኣቢሉ ብቛንቋታት ጀርመን፡ እንግሊዝ፡ ፋርሲ፡ ዳሪ፡ ከምኡውን ዓረብ ሓበሬታታት ይዝርጋሕ።

Mehrsprachiger Flyer zur Anerkennung von Berufsabschlüssen

ናይ ልዑል ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ) መእተዊ

ንኣመልክትቲ ልዑል ትምህርቲ ዝቐርብ ክማላእ ዝግብኦ ጠለባት፡ ካብ ልዑል ቤት ትምህርቲ ናብ ልዑል ቤት ትምህርቲ ይፈላለይ።

anabin - Datenbank und Informationsportal zu ausländischen Bildungsabschlüssen

Standards zur Anerkennung/Beglaubigung (für uni-assist-Partnerhochschulen)

Ausländische Hochschulabschlüsse und akademische Berufsqualifikationen in Schleswig-Holstein

Angebot für Personen, die fluchtbedingt ihren Bildungsstand nicht durch Originaldokument nachweisen können